@erisky_291: ክንፈይ ከምዝነበረት፣ መብራህቲ ጸልማት ህይወተይ ከምዝነበረት ንገርዋ። እስትንፋሰይ ኣብ እስትንፋሳ ተኣሲሩ፣ ልበይ ኣብ ዜማ ልባ ተሰኒዑ ይምርሽ ከምዝነበረ ኣዘኻኽርዋ። ንሳ ኣብ ጎነይ ከላ፣ ንፋስ እኳ ክትንክፈኒ ኣይደፍርን'ዩ ነይሩ። ዓለመይ ኣብ መዓሙቕ ዓይና ተሰሪቱ፣ ሓጎሰይ ኣብ ፍሽኽታኣ ተነዲቑ ነበረ። ግን እቲ ዝኣመንክዎ ዓለም ፈሪሱኒ። እቲ ዝተነድቀ ሓጎስ መሬት ወሪዱ። እታ ዝፈተኹዋ ንግስቲ ልበይ፣ ንልበይ ብዘይካ ኲናት ወሪራቶ። ብዘይካ ሰይፊ ሸሊሓቶ። ብዘይካ ሓዊ ኣንዲዳቶ። እቲ ዝኸፍአ ድማ፣ እዚ ኹሉ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ፣ ኣብቲ ዝኣምና ዝነበርኩሉ እዋን ክፍጸም ከሎ'ዩ። ስለምንታይ? እዛ ሓንቲ ሕቶ'ዚኣ መዓልታዊ ኣብ ኣእምሮይ ትመላለስ። እንታይ ይጎድለኒ? ፍቕሪዶ ወላ ኣነ? ወይስ ንፍቕሪ ክትቅበሊ ልብኺ ኣይረዓመን? ሕጂ'ውን እንተኾነ፣ ነቲ ዝገበርክዮ እናሓሰብኩ፣ ልበይ ብሕርቃንን ሓዘንን ይነድድ። ግን ኣብ ውሽጢ እቲ ሓመድ ሕርቃን፣ ፍቕርኺ ገና ከም ፍሕም እሳት ብልጭ ትብል ኣላ። ነዚ ክፉእ ስምዒት'ዚ ክጻወሮ ኣይከኣልኩን። ንዓኺ ምጽላእ እናኣበየኒ፣ ምፍቃረይ ንዓኺ ድማ የሳቕየኒ። ኣካል ነፍሰይ'ኳ እንተኾንኪ፣ ካብዚ ንላዕሊ ክትቅጽሊ ግን ኣይትኽእልን ኢኺ። ክትከዲ ኢኺ። ኣነ ድማ በይነይ ምስ ዝኽርታትናን ምስ'ዚ ዘይጠዓየ ስምብራትን ክነብር እየ። ደሓን ኩኒ፣ ናይ ቀደም ፍቕረይ። ©✍️ミ 𝐄𝐫𝐢𝐒𝐤𝐲𝐕𝐢𝐛𝐞𝐬✞ 彡🇪🇷 #ኤርትራ_ን_ኤርትራዊያን_ብ_ኤርትራዉያን🇪🇷🇪🇷🇪🇷 #ካብ_ኤርትራ_ዘውለድ_ኣይጭዋን🇪🇷 #ኤርትራ_ንዘልኣለም_ትስሓቅ🇪🇷 #ethiopian_tik_tok🇪🇹🇪🇹🇪🇹 #ትግራይ🇻🇳
ミ𝐄𝐫𝐢𝐒𝐤𝐲𝐕𝐢𝐛𝐞𝐬✞彡🇪🇷
Region: SE
Sunday 21 September 2025 14:48:14 GMT
Music
Download
Comments
ጸዋር ምኻን :
ሓሪቅካ ዝመጽእ የለን ካብኣ ዝበለጸት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ
2025-09-21 22:11:34
1
Muhur :
ግን ጨካን ኢያ ማዕረ ኺድዜ
2025-09-28 21:34:48
1
ተስፋ አለኒ ንፅባሓ🙏😔 :
ፍቅሪ ግን መሪዚ እዩ💔🥺
2025-10-04 21:23:53
1
esti :
አምላክ አቦይ ካብዙይ መሓረና
2025-10-01 16:23:58
1
ሃይልሽ ወዲ ምዕራብ ማችስተራዊ Un :
ለባም መስተወዓላይ ቀፅለሉ መማሃራይ ታሪክ እዩ💓👏👏👏
2025-09-22 00:33:16
2
ኣደ ሕሪቲ❤ብሌን ዓይነይ❤🌷 :
ዓለም ጎዶሎ እያ
2025-09-21 21:44:07
1
btsit jeganu💪💪 :
ኡፍፍፍ💔💔
2025-10-18 23:07:41
1
ጓል እምብራሃን :
ኣይትሕረቅ ደሓን ይጋጥም እዩ ዋ😌😁
2025-09-21 18:23:05
1
ادم المهدي :
🥰🥰🥰
2025-09-30 20:52:52
1
ادم المهدي :
👀👀👀
2025-09-30 20:52:31
1
ادم المهدي :
🥰🥰🥰
2025-09-30 20:48:49
1
ዓለም ብእሻ💔 :
🙏🙏🙏
2025-09-30 12:19:03
1
merrey simon :
🥺🥺🥺
2025-09-25 16:39:14
1
🙏🙏🙏 :
🥺
2025-09-23 10:02:36
1
🇪🇷❤️Semu :
🥰
2025-09-22 14:33:25
1
Selamawit 👸🦋 ✝️ 💊 :
🥺🥰🥰🥰
2025-09-22 12:46:38
1
it's me TT💋🫶🦋 :
👌👌🥺🥺🌹🌹🌹🌹🌹🌹🌹👑👑👑👑👑👑👑👑👑👑
2025-09-22 11:18:19
1
Fini :
🥰🥰🥰
2025-09-21 16:14:15
1
mahder :
🥰🥰🥰🥰🥰
2025-09-21 15:36:34
1
Lingo :
🥰🥰🥰
2025-09-21 15:07:22
1
Jemal Talke :
🙏🙏🙏
2025-10-23 20:36:15
0
zey mles geyashay💋💋🤙✌️💞 :
❤️❤️❤
2025-10-14 14:34:22
0
To see more videos from user @erisky_291, please go to the Tikwm
homepage.