@erisky_291: ክንፈይ ከምዝነበረት፣ መብራህቲ ጸልማት ህይወተይ ከምዝነበረት ንገርዋ። እስትንፋሰይ ኣብ እስትንፋሳ ተኣሲሩ፣ ልበይ ኣብ ዜማ ልባ ተሰኒዑ ይምርሽ ከምዝነበረ ኣዘኻኽርዋ። ንሳ ኣብ ጎነይ ከላ፣ ንፋስ እኳ ክትንክፈኒ ኣይደፍርን'ዩ ነይሩ። ዓለመይ ኣብ መዓሙቕ ዓይና ተሰሪቱ፣ ሓጎሰይ ኣብ ፍሽኽታኣ ተነዲቑ ነበረ። ግን እቲ ዝኣመንክዎ ዓለም ፈሪሱኒ። እቲ ዝተነድቀ ሓጎስ መሬት ወሪዱ። እታ ዝፈተኹዋ ንግስቲ ልበይ፣ ንልበይ ብዘይካ ኲናት ወሪራቶ። ብዘይካ ሰይፊ ሸሊሓቶ። ብዘይካ ሓዊ ኣንዲዳቶ። እቲ ዝኸፍአ ድማ፣ እዚ ኹሉ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ፣ ኣብቲ ዝኣምና ዝነበርኩሉ እዋን ክፍጸም ከሎ'ዩ። ስለምንታይ? እዛ ሓንቲ ሕቶ'ዚኣ መዓልታዊ ኣብ ኣእምሮይ ትመላለስ። እንታይ ይጎድለኒ? ፍቕሪዶ ወላ ኣነ? ወይስ ንፍቕሪ ክትቅበሊ ልብኺ ኣይረዓመን? ሕጂ'ውን እንተኾነ፣ ነቲ ዝገበርክዮ እናሓሰብኩ፣ ልበይ ብሕርቃንን ሓዘንን ይነድድ። ግን ኣብ ውሽጢ እቲ ሓመድ ሕርቃን፣ ፍቕርኺ ገና ከም ፍሕም እሳት ብልጭ ትብል ኣላ። ነዚ ክፉእ ስምዒት'ዚ ክጻወሮ ኣይከኣልኩን። ንዓኺ ምጽላእ እናኣበየኒ፣ ምፍቃረይ ንዓኺ ድማ የሳቕየኒ። ኣካል ነፍሰይ'ኳ እንተኾንኪ፣ ካብዚ ንላዕሊ ክትቅጽሊ ግን ኣይትኽእልን ኢኺ። ክትከዲ ኢኺ። ኣነ ድማ በይነይ ምስ ዝኽርታትናን ምስ'ዚ ዘይጠዓየ ስምብራትን ክነብር እየ። ደሓን ኩኒ፣ ናይ ቀደም ፍቕረይ። ©✍️ミ 𝐄𝐫𝐢𝐒𝐤𝐲𝐕𝐢𝐛𝐞𝐬✞ 彡🇪🇷 #ኤርትራ_ን_ኤርትራዊያን_ብ_ኤርትራዉያን🇪🇷🇪🇷🇪🇷 #ካብ_ኤርትራ_ዘውለድ_ኣይጭዋን🇪🇷 #ኤርትራ_ንዘልኣለም_ትስሓቅ🇪🇷 #ethiopian_tik_tok🇪🇹🇪🇹🇪🇹 #ትግራይ🇻🇳

ミ𝐄𝐫𝐢𝐒𝐤𝐲𝐕𝐢𝐛𝐞𝐬✞彡🇪🇷
ミ𝐄𝐫𝐢𝐒𝐤𝐲𝐕𝐢𝐛𝐞𝐬✞彡🇪🇷
Open In TikTok:
Region: SE
Sunday 21 September 2025 14:48:14 GMT
19421
1002
24
173

Music

Download

Comments

unser19126
ጸዋር ምኻን :
ሓሪቅካ ዝመጽእ የለን ካብኣ ዝበለጸት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ
2025-09-21 22:11:34
1
muhur846
Muhur :
ግን ጨካን ኢያ ማዕረ ኺድዜ
2025-09-28 21:34:48
1
user4903225953625
ተስፋ አለኒ ንፅባሓ🙏😔 :
ፍቅሪ ግን መሪዚ እዩ💔🥺
2025-10-04 21:23:53
1
esti5207
esti :
አምላክ አቦይ ካብዙይ መሓረና
2025-10-01 16:23:58
1
102133hailsh
ሃይልሽ ወዲ ምዕራብ ማችስተራዊ Un :
ለባም መስተወዓላይ ቀፅለሉ መማሃራይ ታሪክ እዩ💓👏👏👏
2025-09-22 00:33:16
2
user1277431806112
ኣደ ሕሪቲ❤ብሌን ዓይነይ❤🌷 :
ዓለም ጎዶሎ እያ
2025-09-21 21:44:07
1
btsit.jeganu
btsit jeganu💪💪 :
ኡፍፍፍ💔💔
2025-10-18 23:07:41
1
medihinmedihin
ጓል እምብራሃን :
ኣይትሕረቅ ደሓን ይጋጥም እዩ ዋ😌😁
2025-09-21 18:23:05
1
dzklnmjo00
ادم المهدي :
🥰🥰🥰
2025-09-30 20:52:52
1
dzklnmjo00
ادم المهدي :
👀👀👀
2025-09-30 20:52:31
1
dzklnmjo00
ادم المهدي :
🥰🥰🥰
2025-09-30 20:48:49
1
nati.hafti.m
ዓለም ብእሻ💔 :
🙏🙏🙏
2025-09-30 12:19:03
1
love41332
merrey simon :
🥺🥺🥺
2025-09-25 16:39:14
1
eritera14
🙏🙏🙏 :
🥺
2025-09-23 10:02:36
1
semhar136
🇪🇷❤️Semu :
🥰
2025-09-22 14:33:25
1
selams775
Selamawit 👸🦋 ✝️ 💊 :
🥺🥰🥰🥰
2025-09-22 12:46:38
1
titinofqr
it's me TT💋🫶🦋 :
👌👌🥺🥺🌹🌹🌹🌹🌹🌹🌹👑👑👑👑👑👑👑👑👑👑
2025-09-22 11:18:19
1
sterkeri603
Fini :
🥰🥰🥰
2025-09-21 16:14:15
1
mahder1859
mahder :
🥰🥰🥰🥰🥰
2025-09-21 15:36:34
1
lingo839
Lingo :
🥰🥰🥰
2025-09-21 15:07:22
1
jemal.talke
Jemal Talke :
🙏🙏🙏
2025-10-23 20:36:15
0
halal.mazeru3952
zey mles geyashay💋💋🤙✌️💞 :
❤️❤️❤
2025-10-14 14:34:22
0
To see more videos from user @erisky_291, please go to the Tikwm homepage.

Other Videos


About