@tomuwedi123: እቲ ለባም ፡ ሰብኣይ ንሰበይቱ ዝሃባ ምኽሪ‼️ ✍️ፍቕረይ ካብ ሎሚ ንድሓር ንስኺ ንዓይ ናይ ምንባረይ ትርጉም ኢኺ ❤️ካብ ሎሚ ኣብ ሞንጎይን ኣብ ሞንጎኽን ዝኾነ ዓይነት ምስጢር የሎን ፡ ሕብእብእ ዝባሃል የሎን። ❤️ፍትውተይ ቀደም ንእሽቶይ ኔረ ፡ ሕጂውን ህፃን ክኸውን እየ ፣ትዝ ይብለኒ ህፃን ከለኹ ምግቢ በሊዐ ድየ ወይስ ጠምየ ተኾይነ ትፈልጥ ኣደይ ወላዲተይ እያ ኔራ ፡ ንጉሆ ካብ ድቃሰይ ተበራብረኒ ኣደይ እያ ኔራ ። ካብ ገዛ ቅድሚ ምውጽአይ ዝስተኻኸል ነገራት ኣስተኻኺላ ፡ ዝጎደለኒ መሊኣ ተፋንወኒ ኣደይ ያ ኔራ ። ካብ ሕጂ ግና ኣደይ ንስኺ ኢኺ ። 👉 ካብ ሕጂ ናተይ ድኹም ጎኒ ትፈልጥ ካልእ ኣደ የብለይን ካብ ሕጂ ጥሜተይን ጽምአይን ትፈልጠለይ ካልእ ኣደ የብለይን ። ሪኢኺ ፍቕረይ ፡ ቆልዓ ከለኹ ፡ ዝኾንክዎ ኩሉ ዘጋጠመኒ ፡ መጽየ ንኣደይ እየ ዝነግራ ኔረ ፡ ንሳ ድማ ምስጢረይ ንዝኾነ ሰብ ነጊራትለይ ኣይትፈልጥን ስለዚ ሕጂ ድማ ኣደይ ንስኺ ኢኺ ፡ ምስጢረይ ዝነግረኪ ንዓኺ ጥራይ እየ ። 👉ንዝኾነ ሰብ ምስጢረይ ኣይትንገሪ ፡ ቆልዓ ከለኹ ብዙሕ ነገራት ፈጺመ እየ ናይ ነገር ቆልዓ፡ ኣደይ ድማ ንግዚኡ ትቑጣዓኒ ግን ምቑጣዓ ንግዚኡ እዩ ፡ ቀልጢፋ ሕድገት ትገብረለይ ሞ ፡ እንዳሰሓቐት እዚ ወደይ ከምዚ ኣይትግበር ኢላ ቀስ ኢላ ትምዕደኒ ። 👉ፍቕረይ ምናልባት ንዓኺ ውን ከኾርየኪ ይኽእል እየ በጃኺ ግን ቂምታ ኣይትሓዚ ጥፍኣተይ ፡ ጉድለተይ ግን ሪኢኺ ሱቕ ኣይትበሊ ምኽሪ ሃብኒ ፡ ኣነ ድማ ተቐባሊ ምኽሪ እየ ። መዓረይ ፡ ናብቲ ምውቕ ፡ ናይ ዓራት ጸወታና ቅድሚ ምኻድና ፡ ደጊመ ደጋጊመ ዝመኽረኪ ነገር እንተሃልዩ ፡ ናይ ሰብ ዘረባ ብፍጹም እዝኒ ኣይትሃብዮ፡ ንስኺ ንገዛኺ መሲልኪ ጥራይ ኪዲ ካብ ሕጂ ንድሓር ፡ ንዓኺ ካባይ ዝቐርብ ሰብ የብልክን ፡ ኣነ ኣካልኪ እየ ።ንስድራና ውን ይኹኑ ፡ ብናተይን ብናትክን ስምምዕ ፡ ሓገዛት እንተሃልዩ ንሕግዞም ፡ ተዘይኮይኑ ፡ ንሶም ኣብ ሞንጎና ክኣትው ክንፈቕደሎም የብልናን ፡ እቲ ምንታይ ቃል ኣምላኽ ውን ከምዚ እዩ ዝብል ዘፍጥረት 2 24፤ ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሓድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕ። ሓደ ስጋ ድማ ይዀኑ። ፍቕረይ ናይ ብዙሓት ሰባት ሓዳር ዝፈርስ ፡ ናይ ቤተሰብ ጉዳይ ምእታውን ፡ ናይ ጎረቤት ነገር ምርኣይን ፡ ዓርከ መሓዛ ምብዛሕን እዩ ። ስለዚ ነዞም ኩሎም ዝበልኩኺ ፡ ሓልውዮም ፡ ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ ፈጣሪ ቃል ይኣትወልኪ ከም ኣቦኺ ክንከባኸበኪ ፡ ወትሩ ጎዶሎኺ ክምልእ ፡ ኣብ ጎንኺ ደው ክብል እየ ። ልዕሊ ዝኾነ ድማ ንሰበይተይ ንደቀይ ዝብል ሰብኣይ ክኾነልኪ ቃል ይኣቱ ።#ኤርትራንኤሪትራዊያን🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷 #ሓበሻ_ቲክቶክ #ሓበሻ_ቲክቶክ🇪🇷🇪🇷☘🌿🇪🇷🌿🌿🌿 #ሓበሻ #__tiktokindia
ወዲ ሕቡር✅️
Region: LY
Saturday 15 November 2025 23:50:41 GMT
Music
Download
Comments
meleymeley19 :
ግን ሲ ብደቂ ኣንስትዮ መብዛሕቲአን እደታት ይኮናሎም ኣወዳት ግን ከም ኣቦ ዝኮኑ ዉሑዳት እዮም ስለምንታይ ይመስለካ ?
2025-11-16 11:07:52
2
God God :
waww good job ❤❤❤
2025-11-16 08:12:38
2
pushyourself88 :
Netom zenbibu abie rabha eyu thanks 🙏
2025-11-18 18:53:07
0
ሰላም ኢዩ እምነተይ :
Fantastic 👌👌👌👍👍❤️👈
2025-11-18 16:40:46
1
kadish064 :
thank you so much my love me you are my everything ❤️
2025-11-18 03:54:35
1
melhte :
🥰🥰🥰🥰🥰🥰Xbkti xhfti zhawey bruk
2025-11-16 21:36:12
1
ማርያም ኣደ ጎይታ :
ውውውው
2025-11-17 00:44:26
1
ይማርያም ልጅ :
ብጣዕሚ ጽቡቅ ኣጋላልጻ ሓሳባት🥰🥰
2025-11-16 23:06:48
3
heleneven226 :
btami xibuq hasab trgum nay sebayn sebeyti mistr eu thanks 😊 you brother 🙏
2025-11-17 12:31:04
1
Wiz👑 Jarol👑Aru :
Wawww btaemi tidnek ♥️♥️♥️👌👌
2025-11-17 18:15:08
1
Fyona💊 :
woww des bhali agelalxa💝🥰
2025-11-18 02:21:40
1
M :
ጽቡቅ ኣጋላልጻ 🥰🥰🥰
2025-11-16 23:53:03
1
ሰናይ ዘበን 🇪🇷 + 🇬🇧 :
xbuq agelalxa
2025-11-17 07:58:44
1
user4377321373261 :
wawwww
2025-11-17 13:15:33
0
Mami love ❤️ ❤️ ❤️ :
wawww good job
2025-11-16 15:02:52
1
meleymeley19 :
ጽቡቅ ኣጋላልጻ 🥰
2025-11-16 11:05:02
1
🎼Kĕŵĥî~lbà🖤🪫🥹 :
wawww good job 🥰
2025-11-16 08:21:42
1
wedi ደረስ 💙💙💙 =Ak :
👍
2025-11-18 09:50:56
1
ከረነይ ጻዕዳ :
🥰🥰🥰🥰🥰
2025-11-18 06:03:10
1
እታ ዘልመድክኒ ጨና :
🥰🥰🥰
2025-11-18 04:26:17
1
Selam Yosief :
🥰🥰🥰
2025-11-17 12:33:13
1
fiyori berhe 3 :
❤️❤️❤️
2025-11-17 10:42:36
1
fhgh291 :
🙏🙏🥰🥰🥰
2025-11-17 08:19:04
1
Hagerey :
❤️❤♥️👌👌👌
2025-11-17 07:42:15
1
𝔪𝔞𝔥𝔦 𝔨.𝔪✨ :
🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏
2025-11-17 07:01:06
1
To see more videos from user @tomuwedi123, please go to the Tikwm
homepage.